«ዕድል ምምሃር ንህጻናት ክሳብ ደቂ 4 ዓመት» ሓደ ፕሮጀክት ናይ መምርሒ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪግ ኢዩ።

ፊልምታት ንወለድን ንሰብ ሞያን

እቶም ፊልምታት ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ደቓይቕ ዝምንውሖም ኢዮም፣ ብ 13 ቋንቋታት ከኣ ይቐርቡ። በቶም ኣርባዕተ ቀግዓውያን ቋንቋታት ናይ ስዊዘርላንድ ይቐርቡ (ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ጥልያን፣ ሩማንች ግሪሹን)ከምኡ ከኣ ብ ትሽዓተ ካልኦት ቋንቋታት፣ ኣልባንያ፣ ዓረብ፣ እንግሊዝ፣ ፖርቱጋል፣ ሰርቢያ-ክሮኣሲያ-ቦዝኒያ፣ እስጳኛ፣ ታሚል፣ ትግርኛን ቱርክን።
እቶም ፊልምታት ንወለድን ተኸናከንቲ ነኣሽቱ ህጻናት ይምልከቱ፣ ከምኡ ከኣ ሰብ ሞያ ተኸታተልቲ ምህሮ፣ ምክንኻንን ኣተዓባብያን ቆልዑ ብኣጋ። ምንጪ ምሃብ ሓሳባት ክኾኑ ይፍትኑን፣ ክሕብሩን ተገዳስነት ከተንስኡን፣ ምእንቲ መስርሕ ምህሮ ናይ ነኣሽቱ ህጻናት ኣብ ዕለታዊ ናብራ ከለልዩን ክርድኡን።

ተኸታተልቲ ፊልምታት 2014 ን 2019 ን

መምርሒ ተምህርቲ ካንቶን ዙሪግ ንመጀመርያ ጊዜ 2014 ሓጸርቲ ፊልምታት ን ዕድል ምምሃር ኣብ ዕለታዊ ናብራ ንህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣውጺኡ። እቶም ፊልምታት ብዛዕባ ምህናይ ቋንቋ ብኣጋ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ተኸታታሊ ፊልምየስፍሕዎ።ሕጂ ብድምር 65 ፊልምታት ብዛዕባ ምምሃር ገና ነኣሽቱ ህጻናት ተሰሪሖም ኣለዉ።ብተወሳኺ ሓደሽቲ ሽዱሽተ ገለጽቲ ፊልምት ምስ መብርሂታት ብዛዕባ ምልማድ ቋንቋ ህጻናት ክህልዉ ኢዮም።

ዓንኬል መወከሲ

"እቶም ሓጸርቲ ፊልምታት ናይ ዕድል ምህሮ 2014 ኣብ „መሐበሪ ዓንኬላት ን ናይ ነኣሽቱ ህጻናት ትምህርትቲ፣ ምክንኻንን ኣተዓባብያን “ (2012), ናይ ስዊዘርላንድ ዩነስኮ-ኮሚሽንን ነትወርክ ምክንኻን ህጻናት ስዊዘርላንድን ዘውጽእዎ፣ ዝተመርኮሱ ኢዮም። ፍልጠታዊ መወከሲ ነጥቢ ናይ እቶም ፊልምታት ምህናጽ ቋንቋ ብኣጋ 2019 ብፍልጠታዊ ኣምር „ምህናጽ ቋንቋ ብኣጋ“ (2017), ኣብ ብላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምድላው መማህራን ቱርጋውን ማሪ ማያርሆፈር ኢንስቲትዩት ንህጻናት ፣ ብመምርሒ ትምህርቲ ዙሪግ ዝተዋህቦም ዕማም ፣ ዝተኻየደ ዝተንሃንጸ ኢዩ። "

መራኸቢ

ንወለድን ንኣይቲ ንኣሽቱ ህጻናትን: ሕቶታት እንተሃሊዮምኹም፣ በጃኹም ንሓደ ካብ እቶም ነቑጣታት ምኽሪ ንወለዲ ተወከሱWenn : ንኣብነት ምኽሪ ንኣዴታትን-ኣቦታትን, ምኽሪ ኣተዓባብያ ወይ ከኣ ትምህርቲ ወለዲ። ኣብዚ ነቶም ቦታታት ትረኽብም:
www.kjz.zh.ch/angebote-4

ን ሰብ ሞያ ናይ ነኣሽቱ ህጻናት ትምህርቲ፣ ምእላይን ኣተዓባብያን: ሓበሬታታት ናይ ቀረባት ቀጻሊ ትምህርቲ ኣብዚ ትረኽቡ:
www.bfs-winterthur.ch/weiterbildung

ንሓበሬታታትን ርእይቶታትን ብዛዕባ እቶም ፊልምታት:
info@kinder-4.ch

ምልውዋጥ ሓሳባትን ምትሕግጋዝን

ክፍሊ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ ነዚ „ተኽእሎምምሃርንህጻናትክሳብ 4 ዓመት" ዝብል ፕሮጀክት ንህጻናትአብፋልማይዓመታቶምንምድጋፍኢሉ: ብምትሕብባርምስካልኦትማሕበራትንትካላትንዝቖሞፕሮጀክትኢዩ::

ሓገዝቲ ህጻናትን መንእሰያትን ካንቶን ዙሪክ

አብዚ አብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ካንቶን ዙሪክ ዝርከብ kjz ዝብሃል ቤት ጽሕፈት: ስድራን ህጻናትን አድላዪ ዝኾነ: አብ ምዓልታዊ ሂወት ዝድግፍ ምኽርን ሓገዝን ክረኽቡ ይኽእሉ::

ንወለዲ ዝምልከት ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ: ንወለዲ ዝምልከት ትምህርቲ ስዊዘርላንድ

እዚ ትምህርቲ ንወለዲ ዝምልከት መምርሒን ሓገዝን ምኽርን ይህብ::

ማሪ ማየርሆፍ ኢንስቲቱት ንህጻን

ካብ 1957 አትሒዙ እዚ ማሪ ማየርሆፍ ኢንስቲቱት ንህጻን (MMI) ዝብል ትካል: ንህጻናትን ንስድርኦምን ከምኡውን ንክኢላታትን ዝጠቅም ዝተፈለለየ አገልፍሎታት ከም ትምህርቲ: ግብራዊ ምፍታሽ: ወ.ዘ.ተ. ይህብ::

ኮሚሽን ኡኔስኮን - ኔትጽቬርክ ኪንደርቤትሮዩንግ ሽቫይዝን

እዚ በዚኤን ክልተ ማሕበራት ዝተዳለወ ጥርኑፍ መምርሒ ንአለይቲ ህጻናት ብዛዕባ አተዓባብያ ቆልዑ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም: ጠቓሚ ዝኾነ አብ አተአላልያ ህጻናትን ንህጻናት አብ ንኡስ ዕድሚኦም ዘድልዮም ነገራትን ዘተኮረ መሰረታዊ ትምህርቲ ይህብ::

ሎተሪፎን ዙሪክ: ያኮብ ፋውንዴሽን ሽቫይዝ: ሽቲፍቱንግ ሜርካቶር ሽቫይዝ

እዚኤን ሰለስተ ማሕበራት ንምዕባሌን ሓድነትን ናይ ህብረተሰብ ዝድግፍ አገዳሲ ዝኾነ እጃም የበርክታ:: እዚ „ተኽእሎ ምምሃር" ዝብል ፕሮጀክት ብሓገዝ ገንዘብ ናይዚኤን ማሕበራት ኢዩ ቈሙ::

ሞያዊ ቤትምህርቲ ቪንተርቱር

አብ ካንቶን ዙሪክ ዝርከብ ሞያዊ ቤትምህርቲ ቪንተርቱር ክኢላታት አለይቲ ህጻናት ንምስልጣን ዓቢ ተራ አለዎ::

ኪበስዊዝ ማሕበር ናይ ምእላይ ህጻናት ስዊዘርላንድ

ኪበስዊዝ (kibesuisse) ሓደ ሃገራዊ ማሕበር ናይ መውዓሊ ህጻናትን: ንህጻናት አብ ቀትሪ ዝአልዩ ስድራን (Tagesfamilien) ኢዩ:: እቲ ስራሕ ጽፉፍን ውጽኢት ዘለዎን ስራሕ ኽኸውን ምእንቲ: ኪበስዊዝ (kibesuisse) ነዚ ዝምልከት ሕግታት ይሕግግ: ብተወሳኺ እቲ ሕግታት ንኽሕሎን አብ ግብሪ ንኽውዕልን ይጽዕር::

ማሕበር/ሴንተር ህጻናት ብጉጅለ ኮይኖም ዝጻወቱሉ ቦታታት

ኢዚ IG ዝብሃል ሴንተር ናይ መውዓሊ ህጻናት (ህጻናት ብጉጅለ ኮይኖም ዝጻወቱሉ ቦታታት: Spielgruppen) ንአብ ከምዚ ዓይነት ምውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ክኢላታት አለይቲ ቆሉዑ ሞያዊ ሓገዝ የበርክት::

ማሕበር ናይ ክኢላታት አለይትታት ህጻናት (ሓለፍቲ ናይ ሽፔልግሩፐ)

ከም ማሕበር ስራሕተኛን ሞያን: እዚ ማሕበር ን አብ ሙሉእ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ/ባ ክኢላታት አለይትታት ህጻናት (ሓለፍቲ ናይ ስፔልግሩፐ) ዝምልከት አገልትሎታት ይህብ::

ትካል ብዛዕባ ንቆልዑን ንመንእሰያትን ዝምልከት ሚድያ

እዚ ሴንተር እዚ ብዛዕባ ንቖልዑን ንመንእሰያትን ዝምልከት ሚድያታት ሓበሬታ የቕርብ:: ብተወሳኺ በዚ ንዝግደሱ ስድራቤታት ዝተፈላለየ አገልግሎታት ይህብ::

አ:ፕሪሞ

እዚ አ:ፕሪሞ ዝብሃል: ንአገልግሎት ህዝቢ ዝሰርሕ ማሕበር: በአተዓባብያ ዝተወጽዑ ቆልዑ ንኽምዕብሉ ይድግፍ:: ብተወሳኺ አ:ፕሪሞ ሽሪትቫይዘ („schritt:weise“) ናይ ጸወታን ናይ ትምህርትን ፕሮግራማት የዳሉ::

ካሪታስ

ንድኽነት ዘጥቅዖም ስድራቤታት: ካሪታስ ዝተፈላለየ: አብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ንኽትአቱ ዘኽእለካ አገልግሎታትን ፕሮጀክትታትን የዳሉ::

ፕሮ ዩቨንቱተ

ፕሮ ዩቨንቱተ (Pro Juventute) ዝተፈላለየ ንወለድን ንቖልዑን ዝምልከት አገልግሎታት ይህብ:: ንምሳሌ ወለድታት ብዛዕባ አተዓባብያ ደቆምን: ደቆም ካብ ዝወለዱ አትሑዞም ዝገበሩዎ መዕባሌን ዝገልጽ ደብዳቤ ምስ ዝጽሕፉ: ነቲ ደብዳቤታት ናብ ህዝቢ ይዝርግሕ::

ፋም ቲሸ

አብ ፋም ቲሸ (FemmesTische) ደቀንስትዮ ተአኪበን ብዛዕባ ጥዕናን አተዓባብያ ቆልዑን: ቅድመ ምክልኻልን: ይዛራረባ:: እዚ ዓይነት አገልግሎት: ንጉዱሳት አብ ካንቶን ዙሪክን አብ ካልኦት ከባቢታት አብ ስዊዘርላንድን ንዝርከባ ደቀንስትዮ ይምልከት::

Zeppelin – familien startklar

እቲ ነቑጣ ሞያ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንስድራታት ደቂ 0 ክሳብ 3 ዝዕድሚኦም ደቆም የሰንይን የሐይልን።

conTAKT-kind.ch

ዕላማ ናይ ፕሮጀክት conTAKT-kind.ch ንናብ ስዊዝ ዝመጽኡ ወለዲ ብዛዕባ ኣርእስትታት ምዕባይ ህጻናትተገዳስነት ከምዝህልዎም ምባር ኢዩ።

ነዚ ፕሮጀክት ንምድላው ዝተሓባበሩ አካላት

ፕሮጀክት ናይ ትምህርቲ ምምሕዳር ካንቶን ዙሪክ

Logo 1

ብሓገዝ ካብ

Logo 1
Logo 2
Logo 3

ሓቢሮም ምሳና ዝሰረሑ

Logo 1
Logo 2
Logo 3
Logo 4
Logo 5

Frühe Sprachbildung 2019

Lotteriefonds Kanton Zürich; Stiftung Mercator Schweiz; Marie Meierhofer Institut für das Kind Zürich, Pädagogische Hochschule Thurgau, Netzwerk Kinderbetreuung Schweiz

Lerngelegenheiten 2014

Lotteriefonds Kanton Zürich; Jacobs Foundation; Stiftung Mercator Schweiz; Viktor Dürrenberger-Stiftung Zürich; Marie Meierhofer Institut für das Kind Zürich; Partnerprojekt des Orientierungs-rahmens für frühkindliche Bildung, Betreuung und Erziehung der UNESCO-Kommission und des Netzwerks Kinderbetreuung Schweiz.